ብከቢድ ሆበብላ ንፋስ ሆንግ ኮንግ ከይተበደሀ ምዕራፍ ዝኸኣለ ብሕታዊ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቦይንግ 787 -9 መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብከቢድ ሆበብላ ንፋስ ሆንግ ኮንግ ከይተበደሀ ምዕራፍ ዝኸኣለ ብሕታዊ መገዲ ኣየር ብምዃን መዘራረቢ ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ኮይኑ ኣሎ።
እቲ መገዲ ኣየር ዘጋጠሞ ምቹእ ዘይኮነ ኩነታት ኣየር ብምፅዋር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ሆንግ ኮንግ ብሰላም ከመዝዓረፈ ተገሊፁ።
ኣብቲ እዋን ዝነበረ “ታይፎን ሳኦላ” ዝተብሃለ ኩነታት ኣየር 210 ኪሎ ሜትሮ ብሰዓት ብምጉዓዝ ከቢድ ሆቦብላ ንፋስ ብምንባሩ ንበረራ ነፈርቲ ዝሙቹ ከምዘይነበረ ተሓቢሩ።
ስለዝኾነ ብዙሓት መገዲታት ኣየር በረረኦም ምስራዝ ከምዝኸኣሉ ተገሊፁ።
ይኹን እንበር ቦይንግ 787-9 መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብከቢድ ሆበብላ ንፋስ ሆንግ ኮንግ ከይተበደሀ ብሰላም ምዕራፍ ምኽኣሉ ሲምፕል ፍላይት ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።