Fana: At a Speed of Life!

ብእምነት ይኹን ብሄር ኣፈላላይ መሰረት ብምግባር ዝፍፀሙ መጥቃዕቲታት ተቐባልነት የብሎምን – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ እምነት ዝፍፀም ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ከምዝኹንና ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳንት እዚ ዝበላ፥ ሃገር ለኸ መዓልቲ ኤች ኣይ ቪ/ ኤድስ ትማሊ ዕለት ኣብ ከተማ ሰመራ ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን ኢዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ መገዲ ለውጢ ከምዝኾነትን ብለውጢ ዝሓልፋ ሃገራት ከምዘጋጥመን ተመሳሳሊ ጎንፂታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ እናተርኣዩ ከምዝኾነ ኣፍሊጠን።

ብኻሊእ መዳይ ኢትዮጵያ ናብ ልዑል ብራኸ ንምውፃእ ዘኽእሉ ተስፋ ዝህቡን ዘበረታትዑን ጅማሮታት ምህላዎም እተን ፕሬዚዳንት ተዛሪበን።

“ንሓልማን ንሓስባን ዝማዐበለት ሃገር ምህናፅ ዝከኣል፥ ኩሎም ህዝቢታት ተኸባቢሮምን ተፋቒሮምን ብሰላም ሓቢሮም ክነብሩላ ዝኽእሉ ሃገር እንትንፈጥር ኢዩ” ኢለን።

ከም ሃገር የጋጥሙ ንዘለዉ ፈተናታት ብምሕላፍ ኣብ ዝድለ ብርኪ ንምብፃሕ ኩሉ ሰብ ሰላምን ድሕንነትን ሃገሩ ብምሕላው ብፅሒቱ ክዋፃእ ከምዝግባእ እውን እተን ፕዚዳንት ኣገንዚበን።

ዝተፈላለዩ እምነታትን በሄር በሄረሰባትን ንብዙሓት ዓመታት ብሰላም ሓቢሮም ዝነበሩላ ኢዮጵያ፥ ብእምነት ይኹን ብብሄር ኣፈላላይ መሰረት ብምግባር ዝፍፀሙ መጥቃዕቲታት ተቐባልነት ከምዘይብሎም ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

“ኣብ ልዕሊ ኣብያተ እምነት ዝፍፀም ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ተቐባልነት የብሉን፤ ክኹነን ዝግበኦ ተግባር ኢዩ” ብምባል ገሊፀንኦ።

ሓደ ጉጅለ ናይ ካሊእ መሰልን ረብሓን እንትጥሕስ ናይ ባዕሉ መሰልን ረብሓን ንኽጣሓስ ዕድል እናፈጠረ ምዃኑ ክፈልጥ ከምዝግባእ እውን ፐሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣተሓሳሲበን።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.