Fana: At a Speed of Life!

ብኣፍሪካውያን ሰብ ሃፍቲ ዝምርሑ ማእኸላት መፍረዪ ኣህጉራዊ ምትእስሳር ዘዕብዩ ኢዮም – ዋምኬሌ ሜኔ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣፍሪካውያን ሰብ ሃፍቲ ዝምርሑ ማእኸላት መፍረዪ ኣህጉራዊ ምትእስሳር ዘዕብዩ ከምዝኾኑ ዋና ፀሓፊ ሴክሬታሪያት ኣህጉራዊ ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ዋምኬሌ ሜኔ ገሊፆም።

ዋምኬሌ ሜኔን ልኡኾምን ምስ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ብምዃን ኣብ “ኤኤምጂ” ሆልዲንግስ መፍረዪ ኮምፕሌክስ ዑደት ገይሮም።

ኣብ ዑደተም ድማ÷ ከይዲ ምፍራይ እቲ ኮምፕሌክስን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ምፍራይ ዝኣትዉ ህንፀት ሓደሽቲ ፋብሪካታትን ተዓዚቦም፡፡

እቶም ህንፀታት ንኢትዮጵያ ማእኸል ማኑፋክቸሪንግ ኣፍሪካ ንምግባር ዝተጀመረ ስራሕ ናብ ሓደ ዝለዓለ ብራኸ ምብፅሑ ዘርኢ ከምዝኾነ ከምዝተገንዘቡ ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ተዛሪቦም፡፡

ዋምኬሌ ሜኔ ብግደኦም÷ መሰል ብሰብ ሃፍቲ ኣፍሪውያን ዝምርሑ ማእኸላት መፍረዪ ሕድሕዳዊ ምትእስሳር ንግዲ እታ ኣህጉር ከቀላጥፉ ከምዝኽእሉ ኣመልኪቶም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.