Fana: At a Speed of Life!

ብኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ፌዴራል ናብ መቐለ ኣምሪሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ፌዴራል ናብ መቐለ ኣምሪሑ።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ከይዲ ትግበራ እቲ ስምምዕነት ሰላም ንምዕዛብን ኣብ ስምምዐነት ዝተኻተቱ ቀንዲ ቀንዲ ዛዕባታት ብዝተተለመሎም መሰረት ንክፍፀሙ ንምግባርን ኢዩ ተባሂሉ።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ድሕሪ ክልተ ዓመት ናብ መቐለ ዝተጓዓዘ ፈላማይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ፌዴራል እንትኸውን፥ እቲ ስምምዕነት ኣብ እዋንታዊ ኩነታት ከምዝርከብ መርኣዪ ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣባላት ብሄራዊ ኮሚሽን ዘተ እውን ተኻቲቶም ኢዮም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.