Fana: At a Speed of Life!

ብኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዑደት የካይድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዑደት የካይድ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻ መጥቃዕቲ ብምፍፃም ክሕደት ሃገር ዝፈፀመን ተኸታታሊ ጥሕሰት ሕገመንግስቲ እናፈፀመ ዝፀንሐን ኣኽራሪ ጉጅለ ህወሓት፥ መንግስቲ ናብ ሕጊ ንምቕራብ፣ ልዕለንት ሕጊ ንምዕሳል ወፍሪ እናካየደ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

“እቲ ወፍሪ ውሽጣዊ ጉዳይና ብናይ ባዕልና ዓቕሚ ቦትኡ ንምትሓዝ ዝካየድ ስለዝኾነ ነቲ ኣኽራሪ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ቅድሚ ምውዳቑ ዝኾነ ይኹን ናይ ወፃኢ ኢድ ኣእታውነት ምንቅስቓስ ወፃኢ ሓይሊ ስርዓት ኣልቦ ብምንጋስ ሰላም ሃገርና ከፍርስ ዝኽእል ውፅኢት ምዃኑ” መንግስቲ ቅዋሙ ግልፂ ገይሩ ኢዩ።

እዚ ቅዋም ብምርዳእ መንግስታት ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ መንግስቲ ዝጀመሮ ሕጊ ናይ ምኽባር ፃዕሪ ንኽሕግዛ መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዘሓዘን ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንንዝተመርሐን ልኡኽ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዑደት ጀሚሩ ኣሎ።

እቲ ዑደት ልዕሊ ሽዱሽተ ሃገራት ዝሽፍን ከምዝኾ ተገሊፁ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፥ ዩጋንዳ ንምሽምጋል ከምዝሓሰበትን ነዙይ እንትበሃል ድማ ጉጅለ ልኡኽ ከምዝጓዓዝን ብኢትዮጵያ ይኹን ብዩጋንዳ ዘይተሓሰበን ተቐባልነት ዘይብሉን ሓበሬታ በቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ተማሂዙ ብዝተወሰና መራኸብቲ ሓፋሽ እናተፈነወ ከምዝርከብ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.