Fana: At a Speed of Life!

ብኣይተ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ምክትል ኣቦ መንበር ሉእላዊ ቤት ምኽሪን ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሽግግርን ሌ/ጄ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ተዛቲዩ

አዲስ አበባ፣ታህሳስ 13፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ምክትል ኣቦ መንበር ሉእላዊ ቤት ምኽሪን ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሽግግርን ሌተናንት ጄኔራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ተዛቲዩ።

ኣብ ሱዳን ካርቱም ኣብ ዝተሳለጠ መበል ካልኣይ ፖለቲካዊ ዘተ ጉዳያት ዶብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ፥ ምስ ምክትል ኣቦ መንበር ሉእላዊ ቤት ምኽሪን ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሽግግርን ሌተናንት ጄኔራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ተዛቲዩ።

እቲ ጉጅለ ዝመርሑ ኣይተ ደመቀ አነትኾኑ፥ ኣብቲ ዘተ ናይ ክልቲአን ሃገራት ምትሕብባርን ርክብን ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ርእሰ ጉዳያት ተላዚቦም።

ብተወሳኺ እዋናዊ ጉዳያት ክልቲአን ሃገራት ጉዳያትን ከባቢያዊ ሰላምን ብዝምልከት ተዛቲዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.