Fana: At a Speed of Life!

ብኣይተ ዑመር ሑሴን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ፎረም ምግቢ ዓለም ይሳተፍ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ሕርሻ ኣይተ ዑመር ሑሴን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ሮም እናተኻየደ ዝርከብ ፎረም ምግቢ ዓለም ይሳተፍ ኣሎ።

ፎረም ምግቢ ዓለም ኣብ ጣሊያን ከተማ ሮም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 17 ክሳብ 21 ጥቅምቲ 2022 ዝፀንሕ መድረኽ እንትኸውን÷ ብዙሓት ተሳተፍቲ ኣብ ዝተረኸቡሉ ጥዕና ምግቢ፣ ጥዕይቲዓለም ብዝብል ጭብጢ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ እናተሰሳተፈት እንትትከውን÷ ብሚኒስትር ሕርሻ ኣይተ ዑመር ሑሴን ዝተመርሐ ተወከልቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ትካል ሕርሻን ምግቢን ዓለም ኣብ 2022 ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 828 ሚሊየን ህዝቢ ብጥሜት እናተሳቐየ ከምዝርብን 3 ነጥቢ 2 ቢሊየን ህዝቢ ዓለም ድማ ዝተመጣጠነ ምግቢ እናረኸበ ከምዘይኮነ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ጉባኤ ተወከልቲ ሃገራት፣ ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላት ገንዘብ፣ ምርምር ሕርሻ፣ ትካላት ኣፍረይቲ እታወትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን እናተሳተፉ ከምዝርከቡ ኣብ ሮም ካብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.