Fana: At a Speed of Life!

ብኣይተ ኣደም ፋራሕ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራሕ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼክ ሞሃሙድ ተዛቲዩ።

ብኣይተ ኣደም ፋራሕ ዝተመርሐን ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ዘካተተን ላዕለዎት ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊያ ዑደት ስራሕ እናገበረ ይርከብ፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ፃንሒቱ ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼክ ሞሃሙድ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታ ተዛቲዩ፡፡

ኣብ ክልተኣዊ ርክብን ዞባዊ ጉዳያትን ብዕቱብ ከምዝዘተዩ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ልኡኽ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተለኣኸ መልእኽቲ ንፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼክ ሞሃሙድ ከምዘብፀሐ ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.