Fana: At a Speed of Life!

ብኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ከተማ ሻንጋይ ዝተፈላለዩ ትካላት ተዓዚቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ከተማ ሻንጋይ ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታትን ትካላትን ዑደት ገይሩ።

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ÷ ኣብ ማእኸል ቴክኖሎጂ ሁዋዌ፣ ኢንስቲትዩትን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ትልሚን ዲዛይንን ከተማ ሻንጋይ ከምኡ እውን ደረቅ ረሳሕ ዳግም ኣብ ረብሓ ዘውዕል ፕሮጀክት ተዓዚቦም፡፡

መርሃ ግብሪ እቲ ዑደት ኣብ ከተማ ሻንጋይ ዝሳለጡ ፕሮጀክታት ትልሚ፣ ትግበራን ኣፈፃፅማን ልምዲ ንምቕሳም ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቶም ልኡኻት ምስ ኣመራርሓታት ትዕዝብቲ ዝገበሩሎም ትካላት ልውውጥ ልምዲ ምግባሮም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.