Fana: At a Speed of Life!

ብኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ፓርቲ ብልጽግና ናብ ሩሲያ ኣምሪሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልጽግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ፓርቲ ብልጽግና ናብ ሩሲያ ከተማ ቭላዲቮስቶክ ኣቲዩ።
ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ከተማ ቭላዲቮስቶክ ዘምርሑ ኣብ ዓለም ለኸ ፎረም ፓርቲታት ፖለቲካ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ንምስታፍ ኢዩ ተባሂሉ።
እቲ ፎረም ካብ 9 ክሳብ 12 ሰነ 2016 ዓ ም “ዎርልድ ማጆሪቲ ፎር መልቲፖላር ኦርደር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝካየድ ተገሊፁ።
ኣብቲ ፎረም ኣይተ ኣደም ፋራህ ሓዊሱ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፖለቲካን ህንፀት ዓቕሚን እቲ ፓርቲ ሰማ ጥሩነህ (ዶ/ር)ን ሓላፊ ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን እቲ ፓርቲ ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋን ክሳተፉ ኢዮም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.