Fana: At a Speed of Life!

ብኣይተ ኣወል ኣርባን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ራይነርን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ እሳተ ጎመራ ኤርታ ዓሌ ዑደት ኣሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ራይነርን ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ እሳተ ጎመራ ኤርታ ዓሌ ዑደት ኣሳሊጡ።

እቲ ዑደት ኣብ ክልል ዓፋር መስሕባት ቱሪዝም ንምፍላጥን ቁፅሪ ፍሰት ዑደተኛታት ንምውሳኽ ዝዓለም ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ካልኦት ቦታታት መስሕብ ቱሪዝም ዑደት ከምዝገብር ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ካብ ውሽጢ ስፍራታት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ሓደ ዝኾነን መብዛሕትኡ እዋን ካብ መስከረም ክሳብ መጋቢት ኣብ ዘለዉ ኣዋርሕ ዑደት ዝግበረሉ እሳተ ጎሞራ ኤርታዓሌ፥ ኣብ ክልል ዓፋር ከባቢ ዞባ ክልተ ኪልባቲ ረሱ ይርከብ።

እሳተ ጎሞራ ኤርታዓሌ ቀልቢ ብዙሓት ቱሪስታትን ሳይንስታትን  ናይ ምስሓብ ዓቕሚ ዘለዎ ዝድነቕ መስሕብ ቦታ ኢዩ።

“ኤርታ ዓሌ” ዓፋርኛ ቃል እንትኸውን ትርጉሙ ድማ “ዝትኪ እምባ” ማለት ኢዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.