Fana: At a Speed of Life!

ብኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ባንኪ ዓለም ዘቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ባንኪ ዓለም ዘቲዩ።

ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ባንኪ ዓለምን ኣይ ኤም ኤፍን ዝሳተፍ ዘሎ እቲ ልኡኽ ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ቀጣና ደቡብን ምብራቕን ኣፍሪካ ቪክቶሪያ ክዋክዋን ምክትል ፕሬዚዳንት ልምዓት ገንዘብ ባንኪ ዓለም ኣኪሂኮ ኒሺዮ ዘተ ገይሩ።

ኣብቲ ዘተ፥ ክልቲኦም ወገናት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘካየደቶም መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ከምኡወን ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዘለዉ ፕሮጀክትታት እዋናዊ ኩነታት ብዝምልከት ተላዚቦም።

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ፥ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ድኻ ተኮር ስራሕቲ ሪፎርም ኣብ ሸሸትኡ ንምብፃሕ ምስ ባንኪ ዓለም ቀፃልነት ዘለዎ ደገፍ ከምእትደሊ ኣረዲኦም።

ምክትል ፕሬዚዳንታት ባንኪ ዓለም ብግደኦም፥ ኢኮኖሚ ንምርግጋዕ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ምምሕያሽ ፖሊሲ ማእቀፍን ኣመራርሓ ፖለቲካን ንኢዶም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.