Fana: At a Speed of Life!

ብኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ግድብ ሲየንግ ኣፕ ዑደት ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ግዝኣት ጄጁ ዋና ቤት ዕዮ ሪጂን ኮርፖሬሽን ገፀር ማሕበረሰብ ዑደት ገይሩ።

ዳይሬክተር ጄኔራል ዋና ቤት ዕዮ ሪጂን ኮርፖሬሽን ገፀር ማሕበረሰብ ዶንግ ቺኦልን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ንኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣቀባብላን ገለፃን ገይሮም፡፡

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ግድብ ሲየንግ ኣፕ ዝተሃነፀሉ  ቦታ ብኣካል ብምርካብ ተዓዚቦም፡፡

መፅናዕቲም ዲዛይንን ግድብ ሲየንግ ኣፕ ከምኡ እውን ህንፀት ዘካየዶ ሪጂን ኮርፖሬሽን ገፀር ማሕበረሰብ ጄጁ እውን ብዛዕባ እቲ ግድብ ኣድላዪ መብርሂ ሂቡ፡፡

እቲ ግድብ 1 ነጥቢ 25 ሚሊየን ሜትር ኩብ ማይ ናይ መሓዝ ዓቕሚ ዘለዎ እንትኸውን፥ 400 ሄክታር ከምዘልምዕን ብ62 ነጥቢ 25 ቢሊየን ዎን ኮሪያ ወፃኢ ከምዝተሃነፀ ተሓቢሩ፡፡

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ብዝተገበረሎም ኣቀባብላ ከምኡ እውን ኣብ ቢሮን ኣብቲ ግድብን ብዝተውሃቦም ገለፃ ልምዲ ከምዝረኸቡ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.