Fana: At a Speed of Life!

ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣመራርሓታትን ዕጡቓትን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተቐበሩሉ ጅምላ መቓብር ቦታ ኣብ ጨርጨር ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣመራርሓታትን ዕጡቓትን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተቐበሩሉ ጅምላ መቓብር ቦታ ኣብ ጨርጨር ተረኺቡ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ኣባላት እዚ ሰሜን ዘስካሕኽሕ መጥቃዕቲ ብምፍፃም ኣብ ልዕሊ ሉኣላውነት ልዑል ሓደጋ ኣንፀላልዩ ምፅንሑ ይዝከር፡፡

መንግስቲ ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ብዝወሰዶ ወፍሪ ምኅባር ሕጊን ህልውናን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንፀላለወ ሓደጋ ህልውና ምምካት ዝኸኣለ እንትኸውን÷ በይናዊ መቁራፅ ተኹሲ ብምእዋጅ ንሰላም ዘለዎ ቆራፅነት ብተግባር ኣርኢዩ ኢዩ፡፡

ይኹን እምበር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንህፃናት ኣገዲዱ ናብ ኲናት ብምስላፍ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተደጋጋሚ ወራር ብምፍፃም ንህዝቢ ትግራይ ብዑደት ኲናት ደቁ ንኽስእን እናገበረ ከምዝፀንሐን ሕዚ እውን ካብዚ እኩይ ተግባሩ ከምዘይተመለሰን ተገሊፁ፡፡

ብመስዋእትነት ሰራዊት ምክልኻል ካብ ህወሓት ዝተለቐቑ ዝርከቡ ከባቢታት ሕቡእ ኣመል እቲ ግብረ ራዕዲ ምቅላዕ ቀፂሉ።

ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣገዲዶም ናብ ኲናት ንዘሰለፉዎም ዕጡቓት ዝኾነ ይኹን ርህራሀ ከምዘይብሎም ኣብ ጨርጨር ዝተረኸበ ጅምላ መቓብር ነዚ መርኣያ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ካብ ከተማ ጨርጨር ንብምብራቕ ኣንፈት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዕጡቓትን ኣመራርሓ ጦርን እቲ ጉጅለ ጅምላ መቓብር ዝተረኸበ እንትኸውን÷ እዚ ድማ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብደም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ዘይፍንቅሉዎ እምኒ ከምዘሎ ዘርኢ ኢዩ፡፡

እቲ ጅምላ መቓብር መፍለዪ ኮድ ዝተውሃቦ እንትኸውን÷ ኣብ ሕድሕድ መቓብር ካብ 3 ክሳብ 5 ኣስከሬን ብሓባር ከምዝተቐበረሉ ተሓቢሩ።

ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ዝተቐበሩ ከከምሓላፍነቶምን ብርኪ መዓርጎምን ከምዝኾነ እውን ኣብቶም መቓብራት ብዘለዉ ምልክታት ምርዳእ ይከኣል።

ካብዚ ብተወሳኺ ዝሞቱ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ሓደ በዓልቲ ኣስከሬኖም ኣብ ሳንዱቕ ሬሳ ተቐሚጡ ተረኺቡ።

እቶም ኣብ በዓልቲ ዝተረኸቡ ኣስከሬናት ብፍሉይ ዝተቐመጡ ስለዝኾኑ ውግእ እናመርሑ ዝነበሩ ኣመራርሓታት እቲ ጉጅለ ከምዝነበረ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.