Fana: At a Speed of Life!

ብኣሸባሪ ቁንጮ ፃድቃን ገ/ትንሣይ ዝምራሕ ናይ ፀላኢ ሓይሊ ብመከላከያ ሰራዊት ተወቒዑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብኣሸባሪ ቁንጮ ፃድቃን ገ/ትንሣይ ዝምራሕ ናይ ፀላኢ ሓይሊ፣ ኣብ ሰሜን ወሎ ብዝተዋሰረ መከላከያ ሰራዊት ተወቒዑ።

ዓርሚ ክልተ ዝበሃልን ብከሓዲ ሜ/ጄ/ል ዮሀንስ ብቕፅል ስሙ ጆን ፣ ብምክትሉ ከሓዲ ማዕሾ በየነን ከሓዲ ከበደ ፍቃዱ ከምኡውን ብሜካናይዝድ ኣዛዚ ከሓዲ ኮ/ል ገ/ስላሴ ዝምራሕ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ናይ ፀላኢ ሓይሊ ተወቒዑ።

ኣብቲ ግንባር ዝተዋፈሩ ክልተ ክፍለ ጦር ኣዘዝቲ ከመዝተዛረብዎ፥ መንግስቲ ናይ ተናፀል ስጉምቲ ደው ምባል ተኹሲ ድሕሪ ምልዓሉ ብላዕለዋይ ኣካል ብመሰረት ዝተውሃበ ትእዛዝ ጋሽና ዋና ማእኸል ብምግባር ካብ ዋድላ ክሳብ ላሊበላ መስመር ዝነበረ ናይቲ ጉጅለ ራዕዲ ሓይሊ ከምዝተደምሰሰ ኣረጋጊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ፀላኢ ኣብ ከበባ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት፣ ፍሉይ ሓይሊ ከምኡውን ኣባላት ምሊሻን ናይቲ ከባቢ ሓረስቶትን ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እቲ ዝተዳኸመ ሓይሊ ፀላኢ ኣብ ጋሸና ፣ መቄት ፣ ሙጃ ፣ ንፋሥ መውጫ ኣከባቢ እናተወቕዐን እናተበተነን ይርከብ ኢሎም።

ኣብቶም ኣከባቢታት ኣብ ልዕሊ ፀላኢ ብዝተገበረ መጥቃዕቲ  3 ድሽቃ ፣ 6 ሺሕ ናይ ድሽቃ ጥይት ፣ 87 ናይ ኢድ ቦንብ ፣ 229 ክላሽንኮቭ ፣ 5 ሺሕ ናይ ክላሽን ጥይት ፣ 1 ናይ ጦር ሜዳ መነፅር እንትማረኽ ፣ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎ ሓይሊ ሰብን ፀላእን ዝጥቀመሎም ዝነበሩ  2 መድፍዕ ከምኡውን 1  ዙ 23 ክድምሰስ ከምዝኸኣለ እቶም ዋና አዘዝቲ ምግላፆም ካብ መከላከያ ሰራዊት ገፅ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.