Fana: At a Speed of Life!

ብኣሰናዳእነት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር እናተኻየደ ዝቐነየ ዓውደ ምርኢት መፃሕፍቲ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣሰናዳእነት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር “ቃል፣ ተግባር፣ ወለዶ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ዝቐነየ ዓውደ ምርኢት መፃሕፍቲ ተዛዚሙ።

ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መድረኽ ዓውደ ምርኢት መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ሰገናት ዝተረድኡሉ መገዲ ንዕዱማት ዘቕረቡ እንትኾኑ÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም÷ “ኣብ መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያ ውሳነ ተመሓላልፉ ንስኹም ናይ ሕዚ ወለዶ ኢኹም” ኢሎም።

“ኣብ ሕድሕድ ግለሰብ ዘሎ ጉድለት ፍልጠት ዝመልኦ ሓዉ ኢዩ፤ እቲ ክፍተት ንምምላእ ድማ ኩሉ ወለዶ ሓላፍነት ኣለዎ” ክብሉ ገሊፆም።

ጋገር ምህናፅ ሓደ ህፃን ከም ምዕባይ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ህፃን ንምዕባይ ብዙሓት ሓላፍነታት ምውፃእ ከምዘድሊን ኢትዮጵያ እውን ከምኡ ከምዝኾነትን ኣብሪሆም።

ወለዶ ንኢትዮጵያ ናይ ምህናፅን ምዕባይን ሓላፍነት ከምዘለዎ ምግላፅ÷ ፀገም ኢትዮጵያ ዝፍታሕ ብምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ተሳተፍቲ ሰገናት ብግደኦም÷ መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ምትሕበባርን ሓድነትን ብፍሉይ ከምዘልዕል ኣብሪሆም፡፡

እቲ መፅሓፍ ÷ኢትዮጵያዊነት ምስ ኣፍሪካዊነት ከምኡ እውን ኣፍሪካዊነት ምስ ዓለም ለኻዊነት ኣዋሂዱ ከምዘብራህርህ ከምዝተረድኡ ገሊፆም።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.