ብኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ሓበሬታ ፖሊዮ ዝውዘዐሉ መተግበሪ ዕላዊ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ብምጥቃም ሓበሬታ ፖሊዮ ዝውዘዐሉ መተግበሪ ዕላዊ ኮይኑ።
እቲ “ፖሊዮኣንቴና” ዝተብሃለ መተግበሪ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውሱንነት ክትትል ፖሊዮ ምቕራፍ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።
ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ዩንቨርስቲ ጅማ ዘማዕበሎ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።
ኣተሓባባሪ ፕሮጀክት ፖሊዮ ኣንቴና ሁንዴሳ ዳባ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝረአ ዘሎ ምስ ክታበት ዝተላመደ ሕማም ፖሊዮ ንምቁፅፃር እቲ መተግባሪ ሓገዝ ዝገብር ኢዩ ኢሎም።
ሓበሬታ ካብ ምእካብ ብተወሳኺ እቲ ሓበሬታ ናብ ዝምልከቶ ኣብ ምውዛዕ፣ ሕሙም ፖሊዮ ምዃንን ዘይምዃንን ኣብ ምርግጋፅ ሓገዝ ከምዝገብር እውን ተዛሪቦም።
ብወርቃፈራው ያለውን ኣቤኔዘር ታዬን