Fana: At a Speed of Life!

ብኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል እናተመርሐ ዝነበረ ኮንፈረንስ ሰላም ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ብምስታፍ ካብ 11 ክሳብ 12 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ከተማ ደሴ እናተኻየደ ዝፀንሐ ኮንፈረንስ ሰላም ተዛዚሙ፡፡

ኣብ መዛዘሚ እቲ ኮንፈረንስ ተዛተይቲ ንዘውፅኡዎ መግለፂ ቅዋም÷ ኣብቲ ክልል ሰላም ንኽረጋገፅ ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ወገናት ናብ ሰላማዊ መገዲ ንኽመፅኡ ሓቲቶም።

ሰራዊት ምክልኻል ሰላም እቲ ክልል ንምምላስ እናኸፈሎ ዝርከብ መስዋእትነት እውን ምስጋና ቀሪቡ፡፡

ብህዝቢ እቲ ክልል ህዝብ ዝለዓሉ ሕቶታት ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲን ናይ ወሰን ሕቶታትን መንግስቲ ምላሽ ንኽህብ ስራሕቲ ክስርሑ ከምዘለዎም ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ እውን ተሓቢሩ።

ኣብቲ ክልል ዘሎ ስእነት ሰላም ብሰላም ንኽፍታሕ ብይቅርታን ኣማራፂ ሰላምን ምጉዓዝ ከምዝግባእ እቶም ተሳተፍቲ ኣብ መግለፂ ቅዋሞም ሓቲቶም።

ብሙሉቀን ኣበበ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.