Fana: At a Speed of Life!

ብኢንጅነር ሃፍቶሙ ኢተፋ(ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጆለ ልኡኽ ሚኒስትር ማይን መዓድንን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምስላጥ መቐለ ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኢንጅነር ሃፍቶሙ ኢተፋ(ዶክተር) ዝተመርሐ ጉጆለ ልኡኽ ሚኒስትር ማይን መዓድንን ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምስላጥ መቐለ ኣትዩ።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ መነግስቲ ኣብ  ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሑ፥ ካብኔ ሴክሬታሪያት መሰረተ ልምዓት ወ/ሮ ያለም ፀጋይን ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ኣይተ ሓጎስ ገብረእግዚኣብሄርን ኣቀባበል ጌረሙሎም።

ሚኒስቴር ማይን መዓድንን ፌዴሪኢ ንቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ንግዚኡ መካየዲ ስራሕ ዝዉዕላ ሰለስተ መኻይን፣ ሽዱሽተ ሞተር ሳይክልን ኮምፒተራትን ሓገዝ ጌሩ  ኣሎ።

እቲ ጉጅለ፥ ዛጊድ ኣብቲ ምምላእ ደለልን ሓደጋ ምድርማስን ኣጋጢመዎ ዘሎ ኣብ ቀረብ ፅሩይ መስተ ማይ ከተማ መቐለ ገዚፍ ተራ ዘለዎ  ግድብ ገረብ ሰገን ዑደት ኣሳሊጡ ኣሎ።

ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ኣመራርሓ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ካልኦት ዝምልከቶም ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ጉዳይ ዕንወት ትካላት ማይ ትግራይ ኣድሂቡ ክዝተ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ምህላዉ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.