Fana: At a Speed of Life!

ብናይ ህዝቢ መሪር ቃልሲ ዝተረኸበ ለውጢ ብባንዳታት ኣይተዓናቐፍን-ፓርቲ ብልፅግና ክልል  ቤኒሻንጉል

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብናይ ህዝቢ መሪር ቃልሲ ዝተረኸበ ለውጢ ብባንዳታት ኣይተዓናቐፍን ክብል ፓርቲ ብልፅግና ክልል  ቤኒሻንጉል ገሊፁ።

እቲ ፓርቲ ኣብ እዋናዊ ክልላዊን ሃገራዊን ዛዕባ ብምድሃብ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኢትዮጵያ ብዘርኢ፣ ሃይማኖት፣ ጎሳን ጎጥን ከፋፊሉ እንትዘርፋ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሩ።

ይኹን እንበር እቲ ጉጅለ ኣነ ዘይመራሕኹዋ ኢትዮጵያ ኣይትህሉን ብዝብል ኣተሓሳስባ ኢትዮጵያ ነምፍራስ ዘለዎ ሓይሊ ኣተኣኻኺቡ ወፊሩ ኣሎ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ናይ ለውጢ ዓማውቲ ብልዑል መስዋእቲ ዝተረኸበ ሃገራዊ ለውጢ ንምኽባስ ኣብ ዝተፈላለዩ ጊዜታት ፈቲኑ ዘይተዓወተሉ እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ፥ 24 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ኣብ ለዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ብምፍፃም ኢትዮጵያ ብዕሊ ምውጋእ ካብ ዝጅምር ሐዚ ሓደ ዓመት መሊእዎ ኣሎ ኢሉ።

ብተግባር እቲ ግብረ ራዕዲ ኣዚዩ ዝተቖጠዐ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን መላእ ህዝባዊ ሓይሊ ፀጥታን ብዝተወሰደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ናይቲ መኘጥቃዕቲ ሓንፀፅቲን ሰብ ዋናን ንሕጊ ምቕራበ፣ ስጉምቲ ምውሳድን ዝቐረዩ ምብትታንን እንተተኽኣለ እውን ብኽባር ሕጊ ዝተጎድኡ ከባቢታት ትግራይ መሊስካ እግሪ ንምትካልን ሓረስቶት ግራቶም ተረጋጊዖም ንክሓርሱን ዝተወሰደ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ እቲ ግብረ ራዕዲ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምውሳድ ኣብ መላእ ዓፋርን ኣምሓራን ዝተፈላለዩ ከባቢታት ወረርኡ ኣስፋሕፊሑ ኢዩ ኢሉ።

ብመሰረት እዚ ጉጅለ ጁንታ ትህነግ ብዝፈፀሞም ኣረሜንያዊ መጥቃዕቲታት ንፁሃን ቀቲሉ፣ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ካብ መረበቶም ብምፍንቓል፣ ኣብ ልዐሊ ደቂ ሰባት ንምፍፃም ኣይኮነን ንምሕሳብ ዝኸብድ ኣነዋሪ ኢሰብኣዊ ተግባር ብምፍፃም እኩይ ተግባሩ ብግልፂ ከምዘርኣየ ሓቢሩ።

ንዘበናት ዝተሃነፁ መሰረተ ልምዓታት ህዝቢ ብምዝራፍን ዝተረፈ ብምዕናውን ኢትዮጵያ ንምውራድን ሃገርና ንምፍራስን እኩይ ተግባሩ ከምዝቐፀለሉ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣኒስቲዮ ዘሕዝንን ኢሰብኣዊን ተግባር ከምዝፈፀመ እውን ገሊፁ።

ስለዝኾነ ብልእላውነት ሃገር ድርድር ዘይፈልጥ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘርኢ፣ ፖለቲካን ሃይማኖትን እንተይተኸፋፈለ ነቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንሓንሳብን መወዳእታን ብሓባር ክምክቶ ኢዩ ኢሉ።

ነዚ ድማ ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል፣ ኣባልን መላእ ህዝብን ብምትሕብባር ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምድምሳስ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ብሓይሊ ሰብ፣ ገንዘብን ሞራልን እናደገፈ ከምዝፀንሐ ብምዝኽኻር፥ ምስ ዘሎ እዋናዊ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ህልውና እቲ ፀላኢ ግብኣተ መሬቱ ንምቅልጣፍ ዝተጀመረ ኩለ መዳይ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ጁንታ ጉጅለ ህወሓት ካብ ስም ሓሊፉ ንትግራይ ህዝቢ ካብ ኢትዮጵያውያን ወገናቱ ዝተፈለየ ዝረብሖ ሓንቲ ነገር ከምዘይብሉ ገሊፁ።

“ይኹን እንበር ህዝቢ ትግራይ ኢትዮጵያዊ ሓው ህዝቢ ኢዩ ኢልና ኣብ ዘለናሉ ኩነታት ኣብ ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ ጓጓና ኮይኖም ኣተኮስቲን ከሓድቲ ባንዳታትን ምህላዎም ተገንዚብና ኣለና” ኢሉ እቲ መግለፂ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ክልልና ኢሉ አውን ሃገርና እትርከቡ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ካብዚ እኩት ተግባር ንባዕልኹም ብምዕቃብ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንክትኮኑ ፃውዒትና ነቕርብ ክብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

 

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.