Fana: At a Speed of Life!

ብትራፊክ ሓደጋ ህይወት 28 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ከተማ ወላይታ ሶዶ ናብ ዞባ ዳውሮ እናተጓዓዘት ዝነበረት መመላለሲት ህዝቢ ተሽከርካሪት ተገልቢጣ ህይወት 28 ሰባት ሓሊፉ፡፡

ኣብ መምርሒ ፖሊስ ዞባ ወላይታ ሓላፊ ዲቪዥን ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሓደጋ ትራፊክ ኢንስፔክተር ወልዴ ቢሊሶ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ካብ ዝሞቱ ብተወሳኺ 29 ሰባት ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ኣካል በፂሑ፡፡

እቲ ሓደጋ ሎሚ መዓልቲ ቀትሪ ሰዓት 7 ኣብ ዞባ ወላይታ ወረዳ ኪንዶ ዳዲዬ ቀበሌ ፈታታ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም፡፡

ዘጋጠመ ሓደጋ ከቢድ ከምዝኾነ ብምፅራሕ ቁፅሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ኣመልኪቶም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.