Fana: At a Speed of Life!

ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ምስላጥ ከምዘድሊ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀረባ እዋን ብፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ደብዳበ ሽመት ዝተውሃቦም አምባሳደራት ስልጠና ስልጠና ይወሃቦም ኣሎ።

እቲ ስልጠና ኣብ ዓለም ለኸ ርክብ ዲፕሎማሲ፣ ኮንቬንሽን ቪየና፣ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ፣ ኣብ ታሪኽ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ፣ ሃይድሮ ዲፕሎማሲ፣ ኣብ ኣፍሪካ፣ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ትካላት ዘድሃበ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ፥ እቶም ኣምባሳደራት ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ክሰርሑ ከምዘለዎም ገሊፀን፡፡

ነዚ ድማ ብስፍሓት ማሕበራዊ ሚዲያ ክጥቀሙ ከምዝግባእ ምግንዛበን ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ሕጊ ንምኽባር ምስ ዝተወሰደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተተሓሒዙ ኣባላት እቲ ጉንታ ምስ ደገፍቶም ኮይኖም ናብ ማሕበረሰብ ዓለም እናጋውሑዎ ዝርከቡ ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ንምምካት ምስ ኣባላት ዳያስፖራ ብምውዳድ ትኽክለኛ ሓበሬታ ንዝተወከሉሎም ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ምብፃሕ ቀዳማይ ተግባሮም ክኸውን ከምዝግባእ እተን ሚኒስትር ዲኤታ ኣተሓሳሲበን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.