Fana: At a Speed of Life!

ብብር 28 ሚሊየን ወፃኢ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ዝተሃነፀ ብሄራዊ ቤተፈተነ ምርምር ጣፍ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሙሉእ ሓገዝ ኤጀንሲ ትራንፎርሜሽን ሕርሻ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ዝተሃነፀ ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ህንፃ ብሄራዊ ማእኸል ቤተፈተነ ምርምር ጣፍ ተመሪቑ።

ብር 28 ሚሊየን ወፃኢን ሰለስተ ዓመትን ዝወደአ እቲ ማእኸል፥ ዝተማልአ ዘፈር መፅናዕቲ ምርምር ንኽኸውን እቲ ትካል ከማልኦም ዝግብኡ ጉዳያት ከምዘለዉ ዋና ዳይሬክተር እቲ ማእኸል ዶክተር ሰለሞን ጫንያለው ሓቢሮም።

እቲ ብሄራዊ ማእኸል ምርምር ጣፍ፥ ብዝድለ ዓቕሚ ምርምርን መፅናዕቲን ንምምራሕ ጉዳይ መሬት፣ ምቁርራፅ ሓይሊ መብራህቲን ፀገም ሓደጋ ውሕጅን ዝምልከቶ ኣካል ብዕቱብ ክሰርሐሉ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ሕርሻ ኣይተ ዑመር ሑሴን፥ እቲ ህንፃ ሃኒፅካ ምምራቕ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓውዲ ጣፍ ዝስርሑ ስራሕቲ ምርምር ምሕጋዝን ኣብ ሓረስቶት ጭቡጥ ለውጢ ንምምፃእ ምስራሕ ከምዝግባእን ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ህንፀት እቲ ቤተፈተነ ሓገዝ ንዝገበሩ ትካላትን ውልቀሰባትን ኣፍልጦን ምስጋናን ከምዘተውሃበ እውን ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.