ብብርኪ ሃገር 971 ወረዳታት ብሃገራዊ ዘተ ተበፃሕቲ ከምዝኾና ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብብርኪ ሃገር 971 ወረዳታት ብሃገራዊ ዘተ ተበፃሕቲ ከምዝኾና ብሄራዊ ኮሚሽን ዘተ ገሊፁ።
እቲ ኮሚሽን፥ ኣካል ከይዲ ምእካብ ኣጀንዳ ክልል ኦሮሚያ ዝኾነ መድረኽ ዘተ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀሰባት የካይድ ኣሎ።
ምክትል ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ሂሩት ገብረስላሴ፥ እቲ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ማሕበረሰብ ኣጀንዳታት ብዝግባእ ምቕራብ ንክኽእል ቆላሕታ ሂቡ ይሰርሕ ኣሎ ኢለን።
ብመሰረት እዚ ብብርኪ ሃገር 971 ወረዳታት ብሃገራዊ ዘተ ተበፃሕቲ ከምዝኾና ሓቢረን።
ብኣሸናፊ ሽብሩ