Fana: At a Speed of Life!

ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 100 ሚሊየን ዜጋታት ቡክ ባንኪ ብምሓዝ ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 100 ሚሊየን ዜጋታት ቡክ ባንኪ ብምሓዝ ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ መበል 36 ስሩዕ ኣኼባ ብምርካብ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝተልዓሉ ሕቶታት መብርሂን ምላሽን ሂቦም።

ሴክተር ፋይናንስ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሀብዎ መብርሂ፥ እቲ ዓውዲ ኣብ ጥዕናዊ ከይዲ ከምዘሎ ዘርእዩ ብዙሓት ሓበርቲ ኩነታት ከምዘለዉ ኣብሪሆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 12 ሺሕን 800 ቅርንጫፋት ባንኪ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ብምግላፅ፥ ልዕሊ 100 ሚሊየን ዜጋታት ቡክ ባንኪ ብምሓዝ ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ብብርኪ ዓለም ዘይምለስ ልቓሕ ማእኸላይ ኣሃዝ 5 ሚኢታዊ ከመዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ናይ ኢትዮጵያ ግን ኣብ 4 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ባንኪታት ካብ ዘቕርብኡ ልቓሕ ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ውልቀ ዓውዲ ተረባሒ ኢዩ ኢሎም።

ባንኪታት ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ተወዳደርቲ ኣብ ምዃን ካብ ሐዚ ጀሚሩ ምድላው ከምዝግበአን ኣገንዚቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.