Fana: At a Speed of Life!

ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ከተማ ዱብቲ ዝተሃነፀ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ኣውሲ-ረሱ ከተማ ዱብቲ ብብር 13 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዝተሃነፀ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስረውዓት ምረቓ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው፣ ርእሰምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ሓዊሱ ሰብ መዚ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።

እቲ ቤት ትምህርቲ ብኽልተ ሽፍቲ 1 ሺሕን 800 ተምሃሮ ተቐቢሉ ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ዘለዎ እንትኸውን፥ መምሃሪ ክፍሊታት፣ ቤት ፈተነ፣ ኣቢያተ መፃሕፍቲን ካልኦት መውሀቢ ግልጋሎትን ዝተማልኡሉ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.