Fana: At a Speed of Life!

ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝወፅአ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ዝፀንሕ ኢዩ-ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝወፅአ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ንዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ዝፀንሕ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም።

እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ዝረአ በዕጥቂ ዝተደገፈ ምንቅስቓስ ብስሩዕ ሕጊ ስርዓት ምኽባርን ምቁፅፃርን ናብ ዘይከኣለሉ ብርኪ ዝተሸጋገረ ብምዃኑ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ምንቅስቓስ እቲ ክልለ ብልዑል ኩነታት ይህውኽ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ መንግስቲ እቲ ክልል ፀገም ምንጋዕ ፀፅታ ከምዘጋጠሞ ምግላፁ ኣዘኻኺሮም።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ መንግስቲ ፌዴራል ኣድላዪ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ንክፍፅም ሕቶ ምቕራቡ ገሊፆም።

ብትካላት ፀፅታ ፌዴራልን ቤት ምኽሪ ሚኒስትራትን ተገምጊሙ ዘእምን ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ሰላምን ፀፅታን ህዝቢ ብምሕላው ሕግን ስርዓትን ብኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምድንጋጉ ኣድላዪ ኮይኑ ምርካቡ ተዛሪቦም።

እቲ ኣዋጅ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምሕላው ዝወፅአ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ቁፅሪ 6/2015 ዓ.ም ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ተባሂሉ ዝፅዋዕ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

እቲ ኣዋጅ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈፃሚ ዝኸውን ምዃኑ ብግልፂ ምግላፁ ብምሕባር ይኹን እንበር ብብርኪ ሃገር ዘሎ ፀገም ፀፅታ ዘበኣእስ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ደው ንምባል ኣድላዪ ኮይኑ እንትርከብ ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢታት እዛ ሃገር ተፈፃሚ ከምዝኸውን ሓቢሮም።

ንተፈፃምነት እቲ ኣዋጅ ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዝተጣየሸ ገሊፆም።

እቲ መምርሒ ብዳይሬክተር ጄኔራል ብሄራዊ መረዳእታን ኣገልግሎትን ፌዴሪኢ ዝምራሕ እንትኸውን፥ ተፀዋዕነቱ ንቀዳማይ ሚኒስተር ከምዘኾነ ገሊፆም።

ኣባላት እቲ እዚ፣ መሓውርን ኣወዳድባን ብዝምልከት ብቀዳማይ ሚኒስትር ዝውሰን ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.