ብባንክ ዓለም ብዝተረኸበ ገንዘብ ዝተሃነፃ ኣብያተ ትምህርቲ ተመሪቐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ሓውዜን ካብ ባንክ ዓለም ብዝተረኸበ ገንዘብ ብቤት ፅሕፈት ኣገልግሎት ፕሮጀክት ሕቡራት ሃገራት (UNOPS) ዝተሃነፃ ኣብያተ ትምህርቲ ተመሪቐን።
እተን ኣብያተ ትምህርቲ ማርያም ዛላን መጋብን እንትኾና፥ ፣ ብድምር 4 ብሎክ መምሃሪ ክፍልን 3 ብሎክ ደረጅኡ ዝሓለወ ዓይነ ምድርን ‘ዩ ተሃኒፁለን።
ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ፕሮጀክት ኣይተ ብርሃኑ ኣሰፋ፥ እተን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ሓፂር እዋን ብፅሬትን ፅፈትን ተሰሪሐን ንርኽክብ ክበቕዓ ንዝገበሩ ነበርቲ፣ ክኢላታትን ኣመራርሓን አመስጊኖም።
ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ክማልኡ ዝግበኦም ጉዳያት ቀስ ብቐስ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ንምምላእ ፃዕሪ ከም ዝግበር እውን ኣፍሊጦም።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቴድሮስ ገ/ኣብሄር( ኢንጅኔር )፥ ኣብ ‘ቲ ክልል ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብዝተረኸበ ሓገዝ ናውትን ገንዘብን ስራሕቲ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ይሳለጥ ምህላው ሓቢሮም።
እተን ዝተሃነፃ ኣብያተ ትምህርቲ ‘ውን ኣካል እቲ ዝካየድ ዘሎ ሕውየትን ህንፀትን ኢየን ኢሎም።