“ብቕዓትን ድልውነትን ኣገልጋላይነት ብምጥንኻር ህዝብና ብብቕዓት ክነገልግል ኢና” – ኣዳነች ኣበቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ብቕዓትን ድልውነትን ኣገልጋላይነት ብምጥንኻር ህዝብና ብብቕዓት እናገልገልና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ክነማዕብላ ኢና” ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ገሊፀን።
“ብቑዕን ጥዑይን ኣመራርሓን ሲቪል ሰርቫንትን ንዝበለፀ ኣገልግሎት” ብዝብል መሪሕ ቃል ከተማ ሓቆፍ መርሃ ግብሪ ምንቅስቓስ ኣካላዊ ብቕዓት ሲቪል ሰርቫንት ሎሚ መዓልቲ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ተኻይዱ።
እቲ መርሃ ግብሪ÷ ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ሰራሕተኛታትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ዕዱማትን ኣብ ዝተተረኸብሉ እዩ ተኻይዱ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ÷ ኣዲስ ኣበባ ናይ ፍቕሪ፣ ሓድነት፣ ምክእኣልን ምእባለን ከተማ ምዃና ብምሕባር፤ ነዚ ዘጠናኽሩ ኣመራርሓታት ብትግሃት ብምግልጋል ብምዃኑ ንህዝቢ ዝተኣተወ ቃል ብውፅኢት ንኽግለፅ ኣተሓሳሲበን።
ብማዕረግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊት ቢሮ ልምዓት ፐብሊክ ሰርቪስን ሰብ ሃፍቲን ወይዘሮ ሂክማ ኬይረዲን ብወገነን÷ “ብብርኪ ከተማ ቅልጡፍን ጊዜ ቆጣቢን ኣገልገፍሎት ንተገልጋላይ መልሲ ንምሃብ ብሩህ፣ ጥዑይ፣ ንቑሕ እምሮን ዝተሃነፀ ኣካልን ዘለዎ ሲቪል ሰርቫንት ምፍጣር ስለዝግባእ ምቅስቓስ ኣካላዊ ብቕዓት ባህሉ ዝገበረ ሰራሕተኛ ክህልው ይግባእ” ኢለን።
ጥዑይ ኣተሃሳስባን ብቑዕ ኣካልን ብምሓዝ ንህዝብና ንህዝቢ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ዝተቐላጠፈን ውፅኢታዊን ከምዝኾነን ኣገልጋላይነት ንምርግጋፅ ቃል ዝእተወላ ማዓልቲ ከምዝኾነትን ምግላፀን ካብ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።