Fana: At a Speed of Life!

ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ሰብ መዚ ሕብረት ኣውሮፓ ውፅኢታዊ ዘተ ኣካይዱ-ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ምስ ሰብ መዚ ሕብረት ኣውሮፓ ውፅኢታዊ ክልቲኣዊ ዘተ ኣካይዱ ከብሉ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ሙኒክ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ኣብ መበል 58 መድረኽ ፀፅታ መስታፉ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ምስ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ስዊዲን፣ ኣየር ላንድን ጀርመንን ኣብ ምሽግጋር ፈልጠት፣ ሰላምን ድሕንነትን ምልዛቦም ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ፥ ኢትዮጵያ ሰላም ንምርግጋፅ ዓሊማ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ከምዝንእዱን ድጋፎም ከምዘየቋርፁን ምግላፆም ሓቢሮም።

ኣምባሳደር ዲና፥ ሃገራት ቀይሕ ቀርኒ ኣፍሪካን ናይ ሓባር ፀገማት ስለዘለውዎም ኣብቲ ዘተ ምቕራቡ እውን ተዛሪቦም።

ልኡኽ ኣሚሶም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ግብረ ራዕዲ ኣብ ምክልኻል ርኡይ ረብሓ ከምዘለዎ ኣብቲ ዘተ ምቕራቡ አውን ኣብሪሆም።

ኣብ ፎረም ቀይሕ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክትግለል ኣይብላን ዝብል መልእኽቲ ከምዝተሓላለፈ እውን ሓቢሮም።

ብወንደወሰን ኣረጋኸኝ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.