Fana: At a Speed of Life!

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ስራሕቲ ምኽባር ፀፅታ ዞባ መተከል ተረኪቡ

ኣዲስ አበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ስራሕቲ ምኽባር ፀፅታ ዞባ መተከል ከምዝተረከበ ሌፍተናል ጀነራል ኣስራት ዴኔሮ ኣፍሊጦም።

በቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተጣየሸን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ኣመራርሓታት ሰራዊት ምክልኻል ዝተኻተቱሉ ግብረ ሓይሊ፥ ኣብቲ ዞባ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ስርሑ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ።።

ነቲ ግብሪ ሓይሊ ዝመርሑ ሌፍተናል ጄነራል ኣስራት ዴኔሮ ከምዝገለፁ፥ ኣብ ምጥፋእ ህይወት ንፁሃን ዜጋታት ዝተሳተፉ ተጠርጠርቲ ናይ ምህዳን ስርሕ ቀፂሉ ኣሎ።

“ኣብቲ ገበን ዝተሳተፉ ተጠርጠርቲ ኣብ ሓፂር እዋን ብሕጊ ተሓተትቲ ክኾኑ ኢዮም” ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሐወዚ እዋን እቲ ፀገም ካብ መበገሲኡ ንምፍታሕ በቢብርኩ ምስ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብን ኣመራርሓታትን ልዝብ እናተኻየደ እንትኸውን፥ ገበነኛታት ብምፍላይ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕ ከምዝቕፅል ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ምስዚ ጎድና ጎድኒ ድማ ዝተመዛበሉ መሊስካ ናይ ምጥያሽን ዕለታዊ ናብራ ህዝቢ ናብ ዝነበሮ ንምምላስን ዝግበር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም።

እቶም ሌፍተናል ጄነራል፥ ኣብ ዞባ መተከል ዝተጀመረ ልኡኽቶ ምርግጋፅ ልዕልነት ሕጊ ኣብ ሓፂር እዋን ከምዝዛዘም ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.