Fana: At a Speed of Life!

ብሽም ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢድ ንምእታው ዝግበር ፈተነ ኢትዮጵያ ኣይትቕበሎን – ዶ/ር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሽም ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢድ ንምእታው ዝግበር ፈተነ ኢትዮጵያ ከምዘይትቕበሎ ሚኒስትር ፍትሒ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ኣፍሊጦም።

ዶክተር ጌዲዮን መቐመጢኦም ኣብ ጄኔቫ ንዝገበሩ ጉጅለ ኣምባሳደራት ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም፡፡

ኣብ መብርሂኦም ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣመልኪቶም ዓለም ለኸ ሚዲያታት ዘጋውሑዎም ውንጀላታትን ሓደገኛ ዘረባታትን ዝኾነ ይኹን ሓቃውነት ዘይብሎም ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ከም መሳርሒ ፖለቲካ ንምጥቃም ዝደልዩ ሃገራት ዘጋውሑዎ መሰረት ዘይብሎም ውንጀላታት ኢዮም ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ሽፋን ብምግባር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ንምእታው ዝግበር ፈተነ ኢትዮጵያ ከምዘይትቕበል ገሊፆም።

ከምዚ ዓይነት ኢድ ኣእታውነት ዛዕባታት ሰብኣዊ መሰል ንምስጓም ዝግበር ሓቀኛ ፃዕሪ ዝጎድእ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብሓባር ኣብ ዘፅንዑዎ ፀብፃብ÷ መንግስቲ ሓደሓደ ጥርጣረታት የሃልዉዎ እምበር ዝቐረቡ ውሳነ ሓሳባት ሙሉእ ብሙሉእ ብምቕባል ብቕልጡፍ ንኽትግበሩ ግብረ ሓይሊ ሚኒስትራት ክምዘጣየሸ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ዝተመረፀ መንግስቲ ብሓይሊ ንምውጋድ ዝግበር ሽፋን ሰብኣዊ መሰል ናይ ምጥቃም ሽርሒ ኢትዮጵያ ከምዘይትቕበሎ ነቶም ኣምባሳደራት ኣብሪሆምሎም፡፡

እዚ ዝገብሩዎ ድማ ግብረ ራዕዳውያን ጉጅለታት ገበን ክሕደት ሃገር ብምፍፃም ክሰርሑ ብምግባር ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.