Fana: At a Speed of Life!

ብሳሙኤል ኡርቃቶ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ መድረኽ ዓውዲ ስፖርት ብሪክስ ይሳተፍ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኮሚሽነር ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዚይናን ሳሙኤል ኡርቃቶ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ መድረኽ ዓውዲ ስፖርት ብሪክስ ይሳተፍ ኣሎ።

መድረኽ ዓውዲ ስፖርት ኣባል ሃገራት ብሪክስ፥ ኣብቲ ዓውዲ ዝረአ ግዕዚይናን ብልሹው ኣሰራርሓን ኣብ ምክልኻል ጠመተ ዝገበረ መድረኽ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዚይናን ሳሙኤል ኡርቃቶ (ዶ/ር) ሓዊሱ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ፍትሒ በላይሁን ይርጋን ሚኒስተር ዴኤታ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርቲን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት ኣብቲ መድረኽ ይሳተፉ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ኦስትሪያ ቬይና ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ ዘተ ፅባሕ ከምዝዛዘም ኣብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.