Fana: At a Speed of Life!

ብሰንኪ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ህይወቶም ብዝሰኣኑ ወገናት ዝተሰመዖ ዓምዩቕ ሓዘን ይገልፅ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ቀበሌ ኬንቾ ሻቻ ጎዝዲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ህይወቶም ብዝሰኣኑ ወገናት ዝተሰመዖም ዓምዩቕ ሓዘን ገሊፁ።

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ካብ ምሕዛን ብተወሳኺ ጉድኣት ዘጋጠሞም ንምድጋፍ፣ ኣብቲ ጋህሲ ዝተቐበሩ ሰባት ናይ ምድላይን ስራሕቲ ምድሓን ህይወት ናይ ምፍፃምን ከምኡውን ጉድኣት ዘጋጠሞም ዜጋታት መሊስካ እግሪ ናይ ምትካልን ዘጋጠመ መጠን ጉድኣት ናይ ምልላይን ስራሕ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተውፃእፅኡ ህፁፅ ዓይሊ ዕማም ምክልኻል ሓደጋ ብምጥያሽ ናብቲ ከባቢ ከምዝተልኣኸ ኣብሪሁ።

መጠንን ሓፈሻዊ መረዳእታን እቲ ሓደጋ ኣብ ቀፃሊ ብዝተወደበ ኣገባብ ከምዝግለፅ ሓቢሩ።

መንግስቲ ንስድራ ግዳያት ምፅንዕናዕ፣ ጉድኣት ኣካል ንዘጋጠሞም ቀልጢፎም ንክድሕኑ ይምነ ኢሉ።

ምስ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ መሓዉር መንግስቲ ብሓባር ብምዃን ኣድላዪ ስራሕቲ ምትካል እግሪ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.