Fana: At a Speed of Life!

ብሰናይ ስነ-ምግባር ዝተሃነፀ ሃገር ዝርከብ ዜጋ ንምፍራይ ዝጀመርናዮ ስራሕ ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና – ኣቦታት ሃይማኖት

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ወለዶ ብስነ-ምግባር ብምህናፅ ሃገር ተረካቢ ዜጋ ንምፍራይ ዝጀመርናዮ ስራሕ ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና ክብሉ ኣቦታት ሃይማኖት ገሊፆም፡፡

5 ጳጉሜን መዓልቲ ትውልዲ “ኢትዮጵያ ድምር ወለዶታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኸበረ ይርከብ።

ኣቦታት ሃይማኖት÷ ትውልዲ ብስነ-ምግባር ብምህናፅ ሃገር ዝርከብ ዜጋ ንምፍራይ ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም፡፡

ኩለን ትካላት ትምህርቲ ሃገር ተረካቢ ወለዶ ናይ ምህናፅ ሰናይ ብፅሒቱ ብስምዒት ሓላፍነት ክዋፅኡ ከምዝግባእ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኣቢያተ ትምህርቲ ወለዶ ኣብ ምህናፅ ዘለዎም ግደ ንምጥንኻር ኣብ ትምህርቲ ስነ-ምግባር ከድህባ ከምዝግባእ እውን እቶም ኣቦታት ሃይማኖት ኣገንዚቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.