Fana: At a Speed of Life!

ብሰሜን ወሎ ሸሊኹ ዝኣተወ ናይ ህወሓት ግብረ ራዕዲ ሓይሊ ብመከላከያ ሰራዊት ዓፀፋዊ ስጉምቲ ተወሲዱሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሰሜን ወሎ ሸሊኹ ዝኣተወ ናይ ህወሓት ግብረ ራዕዲ ሓይሊ ብመከላከያ ሰራዊት ዓፀፋዊ ስጉምቲ ተወሲዱሉ።

ኣብቲ ወፍሪ  142 ናይቲ ጉጅለ ራዕዲ ዕጡቓት ሓይሊ እንትድምሰሱ 4 ስናይፕር፣ 6 ናይ ሞርታር ቅንቡላ ፣ 1 ብሬን ፣ 18 ቦምብ ፣ 15 ክላሽ ፣ 7 ሺሕ ናይ ብሬን ጥይት ፣ 5 ሺሕ ናይ ክላሽ ጥይት ፣ 1 መራኸቢ ሬዲዬ (1187 ኣይኮም)፣ 1 ናይ ዋይፋይ ሪሲቨር ፣ 6 ናይ ብሬን ሻንጣን 10 ናይ ነፍስ ወከፍ ወታደራዊ ናይ መዓንጣ ሻንጣ ካብ ፀላኢ ተማሪኹ።

ካብ መንጎ ኣመራርሓ እቲ ግንባር ናይ ክፍለ ጦር ምክትል ኣዛዚ ንኦፕሬሽናል ከምዝበልዎ፥ ፀላኢ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሰራዊቱ ብዘጋጠሞ ኪሳራን ሽንፈትን ናይ ተስፋ ምቑራፅ ምንቅስቓሳት ይገብር ኣሎ።

ይኹን እንበር ካብ ዝኣተወሉ መግደያ ወረዳ ምውፃእ ከምዘይኽእል ብምሕባር ወራሪ ሓይሊ ኣብ ዝኣተወሉ ብምትራፍ ኣብ ሓፂር እዋን ንህዝቢ ዓወት ዜና ክነስምዕ ኢና ምባሎም ካብ መከላከያ ሰራዊት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.