Fana: At a Speed of Life!

ብርዳእታ ዘላቒ ምዕባለን ብልፅግናን ጋህዲ ክትገብር ዝኸኣለት ሃገር የላን – ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብርዳእታ ናይ ፅግዕተኝነት ግዚኣ ዘናወሐት እምበር ዘላቒ ምዕባለን ብልፅግናን ጋህዲ ክትገብር ዝኸኣለት ሃገር የላን ክብላ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን።

‘ካብ ተሓጋዛይነት ናብ መፍረያይነት፣ ንዝተማለአ ሃገራዊ ሉኣላዊነትን ክብሪን’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቢሾፍቱ ዝተኻየደ ህዝባዊ ዘተን ዑደት ስራሕቲ ልምዓትን ኣመልኪተን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገጸን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ “ዝተጀመሩ ስራሕቲ ዝበረታትዑን ተስፋ ዝህቡን ከምዝኾኑ ርኢና” ኢለን፡፡

ርዳእታ ዕለታዊ እምበር ዘላቒ መፍትሒ ኣይኸውንን ዝበላ እተን ሚኒስትር÷ ብርዳእታ ናይ ፅግዕተኝነት ግዚኣ ዘናወሐት እምበር ዘላቒ ምዕባለም ብልፅግናን ጋህዲ ምግባር ዝኸኣለት ሃገር የላን” ክብላ ገሊፀን፡፡

ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ፍሉይ ጠመተ ብመሃብ ዘለዉ ፀጋታት ልምዓት ፀንቂቕካ ብምጥቃም ፍርያትን መፍረያይነትን ንምዕባይ ዝሕግዙ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣመልኪተን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.