Fana: At a Speed of Life!

ብርእሰ ዓቕሚ ብዝተወገነ ስራሕ ምቕያር ስዊችጊር ልዕሊ 2 ሚሊየን ዶላር ምድሓን ተኻኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብርእሰ ዓቕሚ ብዝተወገነ ስራሕ ምቕያር ስዊችጊር ልዕሊ 2 ሚሊየን ዶላር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ዓውዲ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ኣብ 22 ጣቢያታት መከፋፈሊ በዓል 15 ን 33 ኪሎ ቮልት ስራሕቲ ምቕያር ስዊችጊር ብርእሰ ዓቕሚ ምውጋን ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ፡፡

ኣብቶም ጣቢያታት ምቕያር ስዊችጊር ንምስላጥ 2 ሚሊየን 463 ሺሕ ዶላር ግምታዊ ስራሕ ንምስራሕ ተሓሲቡ ከምዝነበረ ተሓቢሩ፡፡

ብዝተሳለጠ ስራሕ ድማ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ዝግመት ወፃኢ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ሓበሬታ እቲ ትካል የመላኽት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.