ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ከይዲ ምሃብ ፈተና 12 ክፍሊ ተፈጥሮ ሳይንስ ተዓዚቦም
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ከይዲ ኣወሃህባ ፈተና 12 ክፍሊ ተፈጥሮ ሳይንስ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።
እቶም ሚኒስትር÷ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ፣ ዩኒቨርሲቲ ሲቪል ሰርቪስን ኢንስቲትዩት ቴክኒክን ሙያን ትምህርቲ ፌዴራል ዝፍተኑ ተምሃሮ ተመልኪቶም፡፡
ኣብ ትዕዝምቶም ድማ ካልኣይ ዙር ብሄራዊ መልቀቒ ፈተና ተፈጥሮ ሳይንስ 12 ክፍሊ ብፅቡቕ ኩነታት እናተውሃበ ምዃኑ ገሊፆም፡፡
ሎሚ ዝተጀመረ ፈተነሰ ተፈጥሮ ሳይንስ÷ ክሳብ 28 ሓምለ 2015 ዓ.ም ንተኸታታሊ ኣርባዕተ መዓልቲ ክወሃብ ኢዩ።
ቀደማይ ዙር ፈተና ማሕበራዊ ሳይንስ ሚስጥራዊነቱን ድሕንነቱን ብዝተሓለወ መልክዑ ከምዝተዛዘመ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com