Fana: At a Speed of Life!

ብሪክስ ባዕሉ ዝኸኣለ ስርዓት ፋይናንስ ከምዝጅምር ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሪክስ ባዕሉ ዝኸኣለ ስርዓት ፋይናንስ ከምዝጅምር ሩሲያ ኣፍሊጣ።

ኣብ ቻይና ቤጂንግ በተካሄደው ኣብ ዝተሳለጠ መበል 12 ዓለም ለኸ ፎረም ሰላም፥ ሩሲያ ምስ ሃገራት ብሪክስ ኣብ ብሄራዊ ሸርፊ እትገብሮ መጠን ልውውጥ ንግዲ በቢእዋኑ ይምዕብል ከምዘሎ ተገሊፁ።

ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ቻይና ኢጎር ሞርጉሎቭ፥ ሃገራት ጉጅለ ኢኮኖሚ ብሪክስ ካብ ልዕልነት ሳልሳይ ወገን ናፃ ዝኾነ ሰርዓት ፋይናንስ ንምጅማር ይሰርሓ ኣለዋ ኢሎም።

ንኣብነት ልውውጥ ንግዲ ሩሲያ-ቻይና 240 ቢሊየን ዶላር ከምዝበፅሐ ሓቢሮም።

ኣብ ፅዕንቶ ዶላር ዝነበረ ምንቅስቓስ ንግዲ ብምግዳፍ ንናፃ ሰርዓት ፋይናንስ መፍትሊታት ነዳሊ ኣለና ምባሎም ኣርቲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.