Fana: At a Speed of Life!

ብሪታንያ ንዩክሬን ትገብሮ ሓገዝ ናብ 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፓውንድ ክተዕቢ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሪታንያ ንዩክሬን ትገብሮ ሓገዝ ናብ 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፓውንድ ከምተዕቢ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ሪሺ ሱናክ ኣፍሊጦም፡፡

እቲ ሓገዝ ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ሩሲያ-ዩክሬን ዝግበር ዝዓበየ ናይዚ ዓመት ምልዕዓል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ረሺ ሱናክ እዚ ዘፍለጡ ኣብታ ሃር ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን እንትኸውን÷ ኣብ ጉዳይ ናይ ነዊሕ እዋን ሓገዝ ድሕንነት እውን ሓዱሽ ስምምዕነት ከምዝፈራረሙ ተገሊፁ።

እቲ ማዕቀፍ ሓገዝ ንዩክሬን ናይ ነዊሕ ርሕቐት ሚሳኤላት፣ መከላኸሊ ኣየርን ተተኮስቲ መድፍዕን ዘካተተ ከምዝኾነ እቶም ሰሰ ስልጣናት ተዛሪቦም።

200 ሚሊየን ፓውንድ ዝፅጋዕ ገንዘብ ንሰብ ኣልቦ ድሮናት ዝውዕል እንትኸውን÷ መብዛሕትኦም ብእንግሊዝ ዝስርሑ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ወታደራዊ ማዕቐፍ÷ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ንዝጅምር ዓመት ፋይናንስ ካብ ዝኾነት ትኹን ሃገር ልዑል ዝኾነ ሰብ ኣልቦ ድሮናት ንዩክሬን ከምዘቕርብ እቶም ሰብ መዚ ኣፍሊጦም።

ይኹን እምበር እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንብዙሓት ዓመታት ዝፀንሕ ሓገዝ ፋይናንስ ንምግባር ከምዝወሰኑ ምግላፆም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.