ብሪታኒያ ዶብ ተሳገርቲ ገበናት ኣብ ምቅላስ ሓገዝ ንኽትገብር ኢራቕ ሓቲታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሪታኒያ ዶብ ተሳገርቲ ገበናት ኣብ ምቅላስ ሓገዝ ንኽትገብር ኢራቕ ሓቲታ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኢራቕ መሓመድ ሺዓ ኣል-ሱዳኒ÷ ንሚኒስትር ድሕንነት ብሪታንያ ቶም ቱገንድሃትን ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ምስ ብሪታኒያ ብምትሕብባ ዶብ ተሳገርቲ ገበናት፡- ብፍላይ ኮንትሮባንድ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት፣ ምስ መዕወኒ ሓሽሽ ዝተተሓሓዙ ገበናትን ዝተዘረፉ ገንዘባት ምምላስን ከምዝግባእ ገሊፆም።
ብፍላይ ብገበን ዝድለዩ ውልቀሰባት ኣሕሊፍካ ምሃብ ከምዘድሊ ኣብሪሆም።
ግዕዝይና ንሃገር ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ከምዝኾነ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢራቕ፥ ግዕዝይና ምቅላስ ንኢራቕ ጥራሕ ዘይኮነት ንመላእ ሃገራ ዓለም ዝምልከት ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ብምዃኑ ድማ ኢራቕ፥ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሙስጠፋ ኣል ካዲሚን ነበር ሓላፊ ሓበሬታ እታ ሃገር ሓዊሱ ላዕለዎት ሰብ መዚ ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ካብ ኮሚሽን ታክስ እታ ሃገር ዘሪፎም ብዝብል ክሲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል ኢንተርፖል ስጉምቲ ንኽወስድ ንምሕታት ከምዝሃቀነት ተዛሪቦም።
ዋና ዳይና እቲ ኢንተግሪቲ ኮሚሽን ሃይደር ሃኖን ብግደኦም፥ ብኢንተርፖል ክድለዩ ዝተሓተቱ ውለቀሰባት ምሓዝ ከምዘድሊ ኣፍሊጦም።
ኢራቕ ኣይኤስ ንምውጋእ ኣብ ትወስዶ ስጉምቲ ብሪታኒያ ትገብሮ ሓገዝ ከምትቕፅል ምግላፆም ኣሽራቅ ኣል ኣውሳት ፀብፂቡ።
ሚኒስትር ብሪታንያ ንሓይሊታት ፀፅታ ኢራቕ ተወሳኺ ሓገዝን ዘበናዊ ቴክኖሎጂታትን ንምቕራብ ሃገሮም ድሌት ከምዘለዋ እውን ገሊፆም፡፡
ኣብ ክልተኣዊ ርክብ እተን ሃገራ ዝተዛተዩ ክልቲኦም ራሕቲ፥ ኣብ ዓውዲ ፀፅታን ወታደራዊን፣ ግብረ ራዕዲን ግዕዝይናን ኣብ ምውጋእ ዘለወን ምትሕብባር ንምድንፋዕ ተስማዕሚዖም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com