Fana: At a Speed of Life!

ብሪታኒያ ንኢትዮጵያ 22 ነጥቢ 9 ሚሊየን ፓውንድ ከምእትልግስ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ብሪታኒያ ንኢትዮጵያ 22 ነጥቢ 9 ሚሊየን ፓውንድ ከምዝልግስ ኣፍሊጡ።

እቲ ገንዘብ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ዘወዕል ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ብሪታኒያ ኣብ ኣፍሪካ ከምዝበሎ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰለም ንምርግጋፅ 16 ሚሊየን ፓውንድ ከልገስ ኢዩ ኢሉ።

እቲ ደገፍ ነበር ተዋጋእቲ መሊስካ እግሪ ብምትካል ናብ ሰለማዊ ናብረኦም ንክምለሱ ንምግባር ዝውዕል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ መንግስቲ ብሪታኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዓውዲ ጨርቃ መርቂን ኣንባሳትን ንምድጋፍ ዝውዕልን ንሰለስተ ዓመታት ዝፀንሐን 6 ነጥቢ 9 ሚሊየን ፓውንድ ከምዝልግስ ኣፍሊጡ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.