Fana: At a Speed of Life!

ብምግቢ ባዕልና ንምኽኣል ፍርያታውነት ምቅልጣፍ ኣዚዩ የድልየና – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀረብ ፍርያት ስርናይ ብብርኪ ኩነታት ዓለም ፅንቶ እናጋጠሞ ስለዝኾነ ብምግቢ ባዕልና ንምኽኣል ፍርያታውነት ምቅልጣፍ ኣዚዩ የድልየና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ብቀዳማይ ሚኒስት ኣቢይ ኣሕመድ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ሚኒስትራትን ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ኣብ ዞባ ማእኸል ጎንደር ወረዳ ምዕራብ ደምቢያ ቀበሌ ዋዋ ልምዓት መስኖ ስርናይ ዑደት ገይሩ፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ዑደት፥ “ሕርሻ መሰረት ኢኮኖሚ ሃገርና ኮይኑ ፀኒሑ ኢዩ፤ ቀረብ ፍርያት ስርናይ ብብርኪ ኩነታት ዓለም ፅንቶ እናጋጠሞ ስለዝኾነ፤ ብምግቢ ባዕልና ንምኽኣል ፍርያታውነት ምቅልጣፍ ኣዚዩ የድልየና” ክብሉ ተዛሪቦም።

“ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝረአናዮ ፍርያታውነት ተስፋ ዝህብ ኢዩ” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ፥ ጉዕዞ ልምዓት ሕርሻና ኣድካሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፤ ይኹን እምበር ቃልስና መጠን ፍርያታውነትና ብሚሊየናት ንምስፍሕፋሕኢዩ” ኢሎም፡፡

ኣመራርሓታት ካብ ፖለቲካን ኣኼባን ግዘ ነኪዮም ንኢኮኖሚ ክሰርሑ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ተስፋ ዝህብ ልዓት ስርናይ እናተኻየደ ከምዝኾነ ኣብቲ ዑደት ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብ ክልል ኣምሓራ 2 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ስርናይ ትፅቢት ይግበር፡፡

ኣብቲ እዋን ዑደት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራር ዶክተር ይልቃል ከፋለ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣይ እርስቱ ይርዳ፣ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ አካባቢታትን ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ ዶክተር መለስ መኮንንን ካልኦት ኣመራርሓታትን ተረኺቦም።

ብምናለ ኣየነው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.