Fana: At a Speed of Life!

ብምኽንያት በዓል ኣሸንዳ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ የውሃንስ ራብዓይ ስነ ስርዓት ተኸላ ፈልሲ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት በዓል ኣሸንዳ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ የውሃንስ ራብዓይ ስነ ስርዓት መንባር ሓምለዋይ ኣሰር ተኸላ ፈልሲ ተሳሊጡ።

እቲ መርሃ ግብሪ፥ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ምስ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምትሕብባር ዘሳለጦ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፅበሃ ገብረእግዚኣብሄር(ዶክተር)፥ ታሪኻዊ ቦታታትና ፈልሲ ብምትካል ምልማዕን ምምዕራግን ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

እቲ ስነ ስርዓት ተኸላ ፈልሲ “ሰለስተ ተኽሊ ንኽብሪ ጓል ኣሸንዳ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ ኢዩ እውን ኢሎም።

ስለዝኾነ ደቂ ኣሸንዳ ክሕብሕበኦ ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.