Fana: At a Speed of Life!

ብምኽንያት ስርቂ ኬብል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ክህብ ኣይከኣልኩን – ኣገልግሎት ቀሊል ባቡር ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ስርቂ ኬብል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ክህብ ከምዘይከኣለ ኣገልግሎት ቀሊል ባቡር ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ኣብቲ ዝተትሓዘ ወርሒ ንሸውዓተ መዓልቲታት ኣገልግሎት ትራንስፖርት ክህብ ከምዘይከኣለ ዋና መካየዲ ስራሕ እቲ ኣገልግሎት ኣይተ ሙሉቀን ኣሰፋ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም፡፡

ስርቂ ኬብል ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ከምዝተፈፀመ ዝሓበሩ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፥ ኣብ ከባቢታት ሰባተኛ፣ ልደታን ሃያ ሁለትን ዝተፈፀሙ ዘረፋታት ከም መርኣያ ፀሪሖም፡፡

ሕብረተሰብ ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምዃን ሃፍቲ ሃገር ስለዝኾነ ሓለዋ ክገብር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ዝተቛረፀ ኣገልግሎት ንምጅማር ሰራሕተኛታት ትካል ርብርብ እናገበሩ ከምዝኾኑ ኣይተ ሙሉቀን ኣሰፋ ገሊፆም፡፡

ብሲሳይ ጌትነት

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.