Fana: At a Speed of Life!

ብምኽንያት ሓደጋ ውሕጅ ጉድኣት ንዝበፅሖም 600 ሺሕ ዜጋታት ሰብኣዊ ርዳእታን ሓገዝን ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምኽንያት ሓደጋ ውሕጅ ጉድኣት ንዝበፅሖም 600 ሺሕ ዝኾኑ ዜጋታት ሰብኣዊ ርዳእታን ሓገዝን እናተገበረ ከምዝኾነ ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሰሙን ካብ በዓል መዚ ልምዓት ተፋሰሳት፣ ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ፣ ኮሚሽን ልምዓት ማይን ክልል ዓፋርን ዝተወከሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ሩባ ኣዋሽ መሊኡ ብዘስዓቦ ሓደጋ ውሕጅ ዝበፅሐ ጉድኣት ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።

ሩባ ኣዋሽ ኣብ ቀረባ ዓመታት ተራኢዩ ብዘይፍልጥ መልክዑ ተፋሰሳት ኣዕለቕሊቖም ኣብ ነበርቲ ልዑል ሓደጋ ኣብፂሑ ኢዩ።

ኣብ ተፋሰስ ካብ ውሽጢ ዝርከባ ከባቢታት ልዑል ጉድኣት ዝበፅሖ ከባቢ ሓደ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሽዋ ወረዳ ፈንታሌ ጥራሕ ልዕሊ 25 ሺሕ ዜጋታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኢዮም።

እቶም ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ከተማ መተሃራ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ተዓቊቦሙሉ ዝርከቡ እዋናዊ መፅሒ ዝግበር ዘሎ ሓገዝ ተዘዋዊሮም ዝተዓዘቡ እንትኾኑ፥ ክሳብ ሕዚ ዝቐርብ ዘሎ ርዳእታ እኹልን ብቕልጡፍ እናቐረበ ከምዘይኮነን እቶም ተፈናቐልቲ ተዛሪቦም።

ካሊእ ኣብ ተፋሰስ ሩባ ኣዋሽ ልዑድ ጉድኣት ዝበፅሖም ከባቢታት ኣብ ክልል ዓፋር ዞባ ሓደ ወረዳታት ኣሚባራን ሃሩካን እንትኸውን፥ ሕዚ እውን ኣብተን ወረዳታት ልዑል ስግኣት ሓደጋ ውሕጅ ኣንፀላሊዩ ኣሎ ተባሂሉ።

ኣብቲ ከባቢ ተፈጥሮኣዊ ዋሕዚ ሩባ ኣዋሽ ጥሒሱ ብምውፃእ ከባቢ 16 ሺሕ ሄክታር ዝሽፍን ሰፊሕ ልምዓት ሕርሻ ብምዕልቕላቕ ኢዩ ከተማታትን መንበሪ ኣባይቲን ክሳብ ምውሓጥ ክበፅሕ ዝኸኣለ።

ምክትል ኮሚሽነር ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣይተ ዳመነ ዳሮታ፥ ኣብ እዋን ክረምቲ ልዑል ዝናብ ክወቅዕ ከምዝኽእልን ሓደግኡ እውን ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኽእልን ኣቐዲሙ ትምበያ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ብምኽንያት ውሕጅ ልዕሊ 2 ሚሊየን ዜጋታት ጉድኣት ክበፅሖም ከምዝኽል 400 ሺሕ ሰባት ድማ ናይ ምፍንቓል ሓደጋ ክገጥሞም ከምዝኽእል ግምት ከምዝነበረ እውን ሓቢሮም።

እቲ ሓደጋ ውሕጅ ክሳብ ሕዚ ኣብ ልዕሊ 588 ሺሕ ሰባት ጉድኣት ዘብፀሐ እንትኸውን፥ 220 ሺሕ ዝኾኑ ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ክመዛበሉ ገይሩ ኢዩ።

መንግስቲ ብምኽንያት ሓደጋ ውሕጅ ንጉድኣት ዝተቓልዑ ዜጋታት ሰብኣዊ ርዳእታን እናገበረ ይኹን እመበር ሕዚ እውን ምስ ምክፍፋል ተተሓሒዙ ፀገማት ከምዘለዉ እቶም ምክትል ኮሚሽነር ኣገንዚቦም።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኣይተ ጌታቸው ግዛው ብግደኦም፥ እቲ ሓደጋ ውሕጅ ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ንምንካይ ፃዕሪታት ይገበሩ እመበር ክዕወት ከምዘይከኣለ ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.