Fana: At a Speed of Life!

ብምኽንያት ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ንዓብዪ ጥሜት፣ ስቓይን ምንግልታዕን ተቓሊዑ – ምሩኻት

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ንዓብዪ ጥሜት፣ ስቓይን ምንግልታዕን ከምዝተቓለዐ ኢዶም ዝዝሃቡ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ንምፍራስ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ኢዶም ካብ ሞንጎ ዝሃቡ ተዋጋእቲ ሰሎሞን ሺሻይ፣ ተስፋልደት ግሩምን ሓለፎም ገ/መድህንን ከምዝገለፁ፥ኣብ መሰልጠኒ ማእኸላት ኢዛና፣ ህፃይን እንዳባጉናን ንኣዋርሕ ዝተፈላለየ ወታደራዊ ስልጠናታት ክዝወሰዱ ተዛሪቦም፡፡

ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ልዕሊ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝፈፀሙዎ ሕዚ እውን ሃገር ለኸ ንምፍራስ፣ ህዝቢ ንምቕታልን ንምስቓይን ከምኡ እውን ንብረት ንምዝራፍ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ትእዛዝ ናይ ምጥቃዕ ውግእ ተዋሂቡዎም ከምዝተዋፈሩ ኣብሪሆም።

“ዘለና ዓቕሚ ተጠቒምና ወልቃይትን ራያን ኣምሊስና ዓባይ ትግራይ ክንምስርት ኢና” ኢልና ኲናት ንኽፈት እምበር ዝሓሰብናዮ እንተየዕወትና ምዉት፣ ቁሱልን ምሩኽን ክኾኑ ከምዝተገደዱ ዝሓሩ እቶም ሙሩጀኻት፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ መናእሰይን ሰገናትን ትግራይ በቢግምባሩ ናብ ኲናት እናእተወ ከምዝርከብ ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝፈቐዶ ኣካይዳ ብዓለም ለኸ ትካላት ኣቢሉ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ሰብኣዊ ድጋፍን ናብ ትግራይ ይእቶ እምበር እቲ ጉጅለ ንውልቃዊ ረብሓን ድሌትን ንምውዓል ንዘዳለዎ ተዋጋኢ ሓይሊ ስለዝኾነ፤ ብምኽንያት ተግባር እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህዝቢ ትግራይ ንልዑል ጥሜት፣ ስቓይን ምንግልታዕን ከምዝተቃለዐ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ንምፍራስ ብሙሉእ ዓቕሙ ቆሪፁ ዝተልዓለ ሓይሊ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ግምባር ወልቃይት ብዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ልዑል ሰብኣዊን ቁሳዊን ክሳራ ከምዝበፅሖ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.