Fana: At a Speed of Life!

ብምኅንያት በዓል መስቀል ይኹን ዝተፈላለዩ ምኅንያታት ርቺት ምትኳ ዝተኸልከለ ኢዩ – ፖሊስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኅንያት በዓል መስቀል ይኹን ዝተፈላለዩ ምኅንያታት ርቺት ምትኳ ዝተኸልከለ ከምዝኾነ ኮሚሽን ፖሊስ ኣድሰስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣብ እዋን በዓላት ዝትኮሱ ርቺታት ሽፋን ብምግባር ሰላም ንምህዋኽ ድሌት ዘለዎምውልቀሰባት፥ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝገዝኡዎ መሳርሒታት ኲናት ከምእልሹን ዝተፈላለዩ ስግኣታት ፀፅታ ከምዝፈጥሩን ተገሊፁ፡፡

ዘይሕጋዊ ተግባር ንምክልኻል ንኽከኣል ድማ 16 መስከረም 2014 ዓ.ም ኣብ ዝኽበር በዓል ዳሜራ መስቀል ውልቀሰብ ይኹን ትካል ካብ ዝምልከቶ ኣካል ፍቓድ እንተይረኸበ ርችት ክትኩስ ከምዘይኽእል ተገንዚቡ ግቡእ ምትሕብባር ንኽገብር እቲ ኮሚሽን ፀዊዑ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.