Fana: At a Speed of Life!

ብምትሕብባር ሚሲዮናት በርሊንን ፍራንክፈርትን ንሃገራዊ ፕሮጀክታት ዝውዕል ልዕሊ ብር 41 ሚሊየን ሓገዝ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምትሕብባር ሚሲዮናት በርሊንን ፍራንክፈርትን ንሃገራዊ ፕሮጀክታትን እዋናዊ ፃውዒትን ዝውዕል ልዕሊ ብር 41 ሚሊየን ሓገዝ ከምዝተኣከበ ተገሊፁ።

ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣብ ጀርመን ከተማታት በርሊንን ፍራንክፈርትን ከምኡ እውን ኣብ ቼክ ሪፐብሊክ፣ ፖላንድ፣ ዩክሬንን ስላብክን ምስ ዝነብሩ ኣባላት ዳያስፖራ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፥ ብኣተሓባባራይነት ሚሲዮናት በርሊንን ፍራንክፈርትን ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብር 41 ሚሊየን ሓገዝ ተኣኪቡ ኢሉ፡፡

እቲ ሓገዝ ንህንፀት ግድብ ህዳሰ፣ መከላኸሊ ኮቪድ-19፣ መኣዲ ንሃገር፣ ንሰራዊት ምክልኻልን ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ዶክተር መሐመድ እንድሪስ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብዙሓት ሃገራዊ ዲፕሎማሲያዊ ዕድላትን ማሕለኻታትን ከምዝሓለፈት ብምግላፅ ኣብቲ ከይዲ ዳያስፖራ ንዝነበሮ ሃናፂ ኣስተዋፅኦ ኣመስጊነን።

ፍልይቲ ልእኽቲን በዓልቲ ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ኢትዮጵያ ኣብ ጀረርመን ሙሉ ሰሎሞን ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ ካብ ሕዚ ንደሓር ንኢትዮጵያ ንድሕሪት ዝመልሳ ከምዘይህሉ፣ መንግስቲን ህዝቢን ብሓባር ጠጠው ብምባል ሓድነቶም ሓሊዮም ዘጋጥሙዎም ፀገማት ንኽሳገሩ ኣገንዚበን፡፡

ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ዝጀመሮ ዝበረታታዕ ተግባር ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ምሕታተን እውን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.